ፓዝ ቱ ሳክሰስ (Path To Success) ንውልቃውን ሞያውን መንገዲ ዓወት ዘትሕዝን ዘዕጥቅን ብኢንተርኔት ዝወሃብ ናይ 6 ሰሙን ስልጠና እዩ
ሓደ ተኣማሚነ ተስፋ ዝህበካ ነገር እንተልዩ፥ ኣብ “ፓዝ ቱ ሳክሰስ” ዝወሃቡ ሰሙናዊ ትግባረ መደብ ብምልኣት እንተ ተሳቲፍካ: ኣብ ውሽጢ 6 ሰሙን : ነቲ ናብ ዓወት ዘብጽሕ ቀሊልን ፍቱንን መንገዲ ከተለልዮን ክትለማመዶን ክትጅምር : ብምጅማርካ ከኣ ዓቢ ናይ ህይወት መቐይሮ ክኾነልካ እዩ ፥
ሓደ ሰብ ንኽዕወት ዘድልዮ ዓቕሚ ኣብ ውሽጡ ኣሎ ፥ ነዚ ዓቕሚ ኣብ መዓላ ንኸውዕል ግን ሜላ ምህናጽ የድልዮ: ሜላ ዘይብሉ ምዃኑ ግን ናቱ ጉድለት ኣይኮነን። ምኽንያቱ መሰረት መንገዲ ዓወትን ከምይ ጌርካ ከምትለማመዶን ዘርኣዮ ስለ ዘይረኸበ ጥራይ እዩ::
ትሕዝቶ “ፓዝ ቱ ሳክሰስ” ካብ ዓበይቲ መማህራንን ኣሰልጠንትን ዝበጽሕዎ ናይ ዓወት መትከላትን መምርሒታትን ተጾሚቑ ዝወጸ: (ካብ ከም በዓል ዳረን ሃርዲ ፡ ጂም ሮን ፡ ቶኒ ሮቢንስ ፡ ብራንደን በርቻርድ ፡ ጃክ ካንፊልድ ፡ ዳኒ ጆንሰን ፡ ኦግ ማንዲኖ ፡ወዘተ) ብኻልኣይ ደረጃ ድማ ናይ 4 ዓመታት ናይ ውልቂ ህይወተይ መቐይሮ ውጽኢት እዩ።
ማርታ ኣዝያ ተገርምን፣ ብተፈጥሮኣ ልዑል ተውህቦ ዘለዋን ኣሰልጣኒት እያ። እቲ ኣዝዩ ዘተባብዕ፣ ኣወንታዊን፣ ደስ ዘብልን ባህሪኣ ነጻ ኮይንካ ንኽትቀርባን ከም ድሌትካ ኮይንካ ምስኣ ንኽጸርሕን ይድርኸካ። ማርታ ንዓይ ከም ተገርም ኣሰልጣኒተይ ጥራይ ዘይኮነት ኣዝያ ግድስቲ መንቶር እያ።
ማርታ ኤርምያስ፡ኣዝያ ህርኩቲ፤ ፍልጠት ዝመልኣ፤ ሰባት ንምሕጋዝ ካብ ዘለዋ ክቱር ድልየት ዝተላዕለ፡ ንርእሳ ከይበለት ብዙሕ እትጽዕር፤ ኣብቲ ምስኣ ዝሰራሕኩሉ ግዝያት ድማ ብኣዝዩ ዉሕሉል ኣገባብ እትመርሕን እተሰልጥንን፡ ናይ ብሓቒ ብዓልቲ ራእይ፡ምስኣ ንምስራሕ ድማ ኣዝያ ምችእቲ ብዓልቲ ሞያን ሓፍትን እያ።
ንማርታ ኤርምያስ (ማርቲ) ካብ 2013 ካብ ዝፈልጣ ኣትሒዘ ብዙሕ ነገር እየ ካብኣ ተማሂረን ኣብ ሂወተይ ድማ ኣተግቢረዮምን። ኩሉ ጊዜ ዘገርመኒ ካብ መዓልቲ ንመዓልቲ ብዘይ ንሕስያ እያ ንዕብየታ ትጽዕት። ንቤተሰባን ኣብ ከባቢኣ ንዘለዉ ሰባትን ኣዝያ ትግደስ ፈቃር ሰብ ድማ እያ። ማርታ ካብዝፈልጦም ውሑዳት ዋላ እኳ ብድሆታት እንተበዝሖም፣ሕልሞም ናብ ጋህዲ ንምልዋጥ ተስፋ ከይቆረጹ ዝሰርሑ ሰባት ሓንቲ እያ። ብሳላኣ ኣነ ውን ናይ ዝርርብ ክእለተይ ኣዝየ ኣማዕቢለን ናይ ምሉእ ሂወት ተመሃራይ ድማ ኮይነ።
ማርታ ኣዝዩ ዝነኣድ ባህርያት ዘለዋ ኣሰልጣኒት እያ። ንህዝቢ ከተገልግል ዘለዋ ድልየት ጥራይ ዘይኮነስ ብርዝነት ተሞክሮኣ ብልጽቲ ኣርኣያ እያ። ማርታ ሚዛናውነት ምሕላው፣ ቀዳምነት ምስራዕ፣ ምስ ካልኦት ብጽቡቕ ሓቢርካ ናይ ምስራሕ ኣብ ዝኣመሰሉ ኣዝዩ ዝነኣድ ክእለት ኣለዋ።
ኣነ ናይ ባዕለይ መንገዲ ዓወት ቅድሚ ምጅማረይ ዝነበረ ህይወተይ ዝበዝሕ ግዜ ክልተ ስጉምቲ ንቕድሚት ሓደ ስጉምቲ ንድሕሪት ዘለዎ ጉዕዞ እዩ ነይሩ። ምዕባለ ህይወተይ ሓንሳብ ጽቡቕ ሓንሳብ ዝሕቱል ፥ ገለ ዓመታት እኸስበን ገለ እኸስረን ፥ ካብ ክበጽሖ ዝኽእል ንታሕቲ እነብር ነይረ ።
ርግጸኛ ዝነበርኩሉ ግና ሓደ ነገር ነይሩ። መጻኢ 10 ዓመታት ናይ ህይወተይ ፡ ከምተን ዘሕለፍክወን 10 ዓመታት ክኾና ከምዘይደሊ!
ቅድሚ 4 ዓመታት ነዚ ናይ ዓወት ፎርሙላ ዘላለየኒ ኣጋጣሚታት ምስ ተፈጥረ፡ ኣብ ህይወተይ ኩሉ ነገር ተቐይሩ።
ሽዑ መትከላት ፓዝ ቱ ሳክሰስ ኣብ ናይ ውልቃዊን ሞያዊን ህይወተይ ምስ ኣተግበርኩ ፡ ካብ ሓፋርን ቁጥብቲን ናብ ግልጺን ተባዕን፡ ካብ ተቆጺራ ትሰርሕ ዘነበረት ናብ ብርእሳ ትሰርሕ: ካብ ኣብ እኩብ ሰብ ምዝራብ እትፈርህ ናብ ኣብ ፌስቡክ 25 ሽሕ ተኸተልቲ ዘለውዋ ደራኺት ክኸውን በቒዐ። ልዕሊ ዝኾነ ግዜ ድማ ህይወተይ ኣሓጒሱኒ። ውልቃዊ ዕላማይ ውን ነጺሩለይ።
ብምኽንያት ቢዝነስ ብዝሒ ሰባት ክረክብ ምስ ጀመርኩ ከኣ ፥ ከምቲ ኣነ ዝነበርክዎ፡ ተስፋታቶም ከይፍጽሙ ኣንፈት ዝጠፍኦም፥ ብዙሓት ሰባት ከምዘለዉ ተረዲአ።
ስለዚ ድማ ፓዝ ቱ ሳክሰስ ንኽምስርት ተለዓዒለ
ክሳብ ሕጂ ፡ ንውልቀ ሰባት ብውልቂ ኣብ ምስልጣን ክሰርሕ ጸኒሐ፥
ውልቀ ሰባት ዕላማኦም ንኸለልዮ፡ መሰናኽል ንኽሰግሩ ፡ ኣብ ውልቅን ሞያውን ህይወቶም ንኽስጉሙን ምስልጣን(coaching) ዘዕገበኒ ስራሕ እኳ እንተኾነ ፡ ካብ ብዙሓት ሰባት “ብኸመይ እየ ናይ ዓወት መትከላት ኣብ መዓልታዊ ህይወተይ ከተግብሮም ዝኽእል?” ዝብል ሕቶታት ምስ ወሓዘኒ ፓዝ ቱ ሳክሰስ ተመስሪታ።
እዚ ስልጠና ብኸመይ ይቐርብ?
መልሲ፡ ብገምጋም ካብ 2 – 3 ሰዓታት ኣብ ሰሙን (1 ሰዓት ንኣስተምህሮን ፡ 1 – 2 ሰዓታት ድማ ባዕልኻ ንትገብሮ መጽናዕትን ዕዮ ገዛን)
መልሲ፡ ኢንተርነት ኣብ ዘለዎ ኮምፒዩተር ወይ ሞባይል ተለፎን ብምእታው (login) ብምግባር ቪድዮታት ብምርኣይን መከታተሊ ፎርምታት ብምምላእን ክትሳተፍ ትኽእል።
መልሲ፡ ዘሎ ጽሑፋት ብመልክዕ ፒ.ዲ.ኤፍ (PDF) ስለ ዝቐርበልካ ፕሪንት ክትገብሮ ትኽእል ኢኻ: እንተደሊኻ ውን ኣብ ዘለዎ መሊእካ ኣብ ኮምፕዩተር ክትክዝኖ (Save) ክትገብሮ ትኽእል ኢኻ።
መልሲ፡ ሕቶታት ብኢንተርነት (online) ክትልእኽ ትኽእል። ንሕቶታትካ መልሲ ብመልክዕ ቪድዮ ኣብ ሰሙን ክልተ ግዜ እንዳተዳለወ ነዚ ፕሮግራም ኣብ ዝኽፈት ናይ ፈይስ-ቡክ ግሩፕ ክወጽእ እዩ።
መልሲ፡ ኣብዚ ስልጠና ዝሳተፉ፥ ንመገዲ ዓወት ንምስዓብ ብጉሳትን፥ ውፉያትን ብምዃኖም ከቋርጹ ኣይንጽበዮምን ኢና፥ ነገር ግን ሓሓሊፉ፥ ብምኽንያት ጥዕና፥ ወይ ውን ሃንደበት መገሻ (ኢንተርኔት ኣብዘይብሉ) ድሕሪት ምትራፍ እንተ ኣጋጢሙ፥ እቲ ዝኸፈልዎ ከምዘልዎ ኮይኑ፥ ኣብ ካልእ ግዜ ነቲ ስልጠና ክወስድዎ ዕድል ይወሃቦም፥ ገንዘብ ምምላስ ግን፥ ገለ ሰባት ብዘይቅኑዕ መገዲ ስለ ዝጥቀሙሉ፥ ኣቋሪጽና ኢና፡፡